All translations of this statement (including in Albanian, Arabic, Bahasa Indonesian, Bahasa Malaysian, Burmese, Chinese, Czech, Dutch, English, Farsi, Finnish, French, Georgian, German, Greek, Italian, Japanese, Korean, Norwegian, Polish, Portuguese, Russian, Serbian, Slovenian, Spanish, Swedish, Tigrinya (Eritrea), Turkish, Ukrainian) are available here.

 

ብፈደረሽን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እተፈጸመ ጐነጽ ብፍጹም ኣትሪርና ንኹንን።

ዓንቀጽ 2(4) ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ “ኣንጻር ግዝኣታዊ ምሉእነት ወይ ፖለቲካዊ ሓርነት ዝዀነት ሃገር ዝፍጸም ምፍርራህ ወይ ጐነጽ ሓይሊ፡ ወይ ውን ብዝዀነ ይኹን ካልእ ንዕላማታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጻረር መገዲ ምፍርራህ ይኹን ጐነጽ ሓይሊ ክፍጸም፡” ይኽልክል።

እዚ ተግባራዊ ዘይኮነሉ ኣብቲ ቻርተር ብንጹር ሰፊሮም ዘለዉ ክልተ እዋናት ጥራይ እዮም፦ ንሳቶም ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ ዓንቀጽ 51 ናይ’ቲ ቻርተር፡ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ እንተተፈጺሙ ዝግበር በይናዊ ወይ ሓባራዊ ነብሰ-ምክልኻል ከምኡውን ብፍቓድ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትሕቲ ምዕራፍ ሸውዓተ ናይ’ቲ ቻርተር ዝግበሩ እዮም። ካብዞም እተጠቕሱ ኽልተ ምኽንያታት ነዚ ኣብዚ እዋን እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኹነታት ዝግባእ ኣይርከቦምን። ብቐንዱ ኸኣ ፈደረሽን ሩስያ ኣንጻር ዩክረይን በይናዊ ናይ ነብሰ-ምክልኻል መሰል የብላን።

ንርእሰ-ውሳነ ዝምልከት መሰል ነተን ዶነትስክ ከምኡውን ሉሃንስክ ዝበሃላ መሬት ዩክረይን ከም ‘ሃገራት’ ክፍጠራ ሕጋዊ መሰረት ኣይኰነን። ስለ’ዚ ብፈደረሽን ሩስያ ዝተዋህበን ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ቅሉዕ ምጥሓስ ግዝኣታዊ ሓድነት ዩክረይን ኮይኑ፡ ዝኾነ ሕጋዊ ተፈጻምነት ዘይብሉ እዩ። እዚ እተጠቕሰ መሬት “ሃገራት” ስለ ዘይኰነ፡ ፈደረሽን ሩስያ ብስም ሓባራዊ ነብሰ-ምክልኻል ኣብ ክንዲ እቲ መሬት ብዘመልክት ምስምስ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ክትፍጽም ኣይትኽእልን እያ። ብተመሳሳሊ፡ ፈደረሽን ሩስያ ተባሂሉ ንእትብሎ “ፍቓድ” ናይዘን ግዝኣታት ከም መማሳመሲ ነቲ ኣብ ውሽጢ ክሊ ግዝኣት ዩክረይን ንዝዀነ ይኹን ዕላማ  እትገብሮ ጣልቃ ኽትጥቀመሉ ኣይትኽእልን እያ።

ፈደረሽን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ሓይሊ ኽትጥቀም ምውሳና ዝዀነ ይኹን ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ስለ ዝዀነ፡ ንድንጋጌታት ዓንቀጽ 2(4) ናይ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብንጹር ብምጥሓስ ጐነጽ(ወራር) ትፍጽም ኣላ።

ብተወሳኺ፡ እዚ ቅሉዕ ናይ ወራር ተግባር በቶም ንፖለቲካዊ ወይ ወተሃደራዊ ተግባራት ፈደረሽን ሩስያ ዝቈጻጸሩ ወይ ዝመርሑ ዘለዉ ውልቀሰባት ዝፍጸም ገበናት ጐነጽ ከጥቓልል ይኽእል።

ኩለን ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀና ሃገራት ዘለወን ምስ’ዚ ብፈደረሽን ሩስያ እተፈጸመ ወራር ዝተሓሓዝ ግዴታታተን ክስከማ እናጸዋዕና፥ ምእጋድ ተግባር ወራር ኣብ ዝዀነ እዋን ክጠሓስ ዘይከኣል ዘይትንከፍ መትከል ኣህጉራዊ ሕጊ ምዃኑ ነዘኻኽር። እቲ ገበናት ብዘየገድስ ነባሪ መትከል እዩ። ስለዚ፡ ኩለን ሃገራት ነዚ ወራር መኸተምታ ኽግበረሉ ብኹሉ ሕጋዊ ኣገባባት ክተሓባበራ ግዴታ ኣለወን። እዚ ወራር ኣብ ባይታ ዝፈጥሮ ክዉንነት ሕጋዊ ኣፍልጦ ክህብኦ፡ ከምኡ’ውን ነቲ ዝፍጠር ዘይሕጋዊ ክዉንነት ንኽቕጽል ደገፍ ወይ ምትሕብባር ክገብራ የብለንን።

ኣብ መወዳእታ፡ ንኹለን ሳልሳይ-ኣካል ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ረፑብሊክ ቤላሩስ፡ ከነዘኻኽሮ እንደሊ፦ ዝዀነት ሃገር ንኽሊ ግዝኣታ ካልእ ሃገር ክትጥቀመሉ ብምፍቃድ ኣሕሊፋ እንተሂባ እሞ እታ ካልእ ሃገር ጐነጽ ንምፍጻም እንተተጠቒማትሉ፡ እታ ፍቓድ ዝሃበት ሃገር እውን ናይ ወራር ተግባራት ከም ዝፈጸመት ክሕሰብ ይኽእል እዩ።

Dr Anan Alsheikh Haidar
Professor Tatsuya Abe
Dr Constantine Antonopoulos
Professor Masahiko Asada
Dr Danae Azaria
Professor Guimei Bai
Professor Jack M. Beard
Dr Markus P. Beham
Dr Gleb Bogush
Professor Antonio Bultrini
Philippe Blaquier Cirelli
Professor Dr Erika de Wet
Professor Amos O. Enabulele
Dr Gloria Fernández Arribas
Dr Luca Ferro
Professor T.D. Gill
Professor James A. Green
Professor Patrycja Grzebyk
Professor Alonso Gurmendi Dunkelberg
Professor Christian Henderson
Professor Michał Kowalski
Professor Jang-Hie Lee
Dr Marja Lehto
Dr Eliav Lieblich
PD Dr Christian Marxsen
Dr Carrie McDougall
Professor Tadashi Mori
Professor Claus Kreß
Professor Koichi Morikawa
Dr Robert Muharremi
Professor Mary Ellen O’Connell
Professor Inger Österdahl
Dr Federica Paddeu
Professor Anne Peters
Dr Erin Pobjie
Dr Chiara Redaelli
Professor Brad Roth
Professor Dr Tom Ruys
Svit Senković
Dr Michael Smith
Professor Christian J. Tams
Professor Jennifer Trahan
Professor Jure Vidmar
Dr Sharon Weill
Dr Hannah Woolaver

*እዚ ቓል እዚ ኣባላት ናይታ ሽማግለ ብውልቂ ደረጃ ዝሃብዎ ኮይኑ፡ ርእይቶ ናይቶም ዝኸተሙሉ ኣባላት ጥራይ ይውክል።

IMAGE: Photo by Johannes Simon/Getty Images.